SHIPPING WORLDWIDE

ዝብህጋ ትግራይ - Paperback

ዝብህጋ ትግራይ - Paperback

9798224406944
Vendor
Books by splitShops
Regular price
$44.06
Sale price
$44.06
Unit price
per 
Tax included. All duties and taxes calculated at checkout.

by ኣማ መረሳ (Author)

ኣንቅዶ ፀሓፊ ተጋሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብዘይ ምቁራፅ እንኸፍሎ ዘለና ረዚን መስዋእትነት "ምእንተ ምንታይ እዚ ኩሉ?" ዝብል ሕቶ ኣብ ርእሰይ ምምልላስ ካብ ዘዘውትር እንተነኣሰ ዓማውቲ ኣሕሊፉ። ሕዝ'ውን ግን እቲ ሕቶ ኣብ ሕልናይ ደጊሙ ደጋጊሙ ስለዝመፅእ፤ ንምታይ እዚ ኩሉ መስዋእትነት? ካበይ ዝነቅል እዩ? ዓለምን ከባቢናን ስለዝፀልኡና ድዩ? ወይስ ጎረባብትና ሕሱማት ስለዝኾኑ? ወይስ ውሽጥና ዝተሓባእናሉ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፀገም እዩ? ነዞም ኣብ ላዕላይ ዘልዓልኩዎም ሕቶታት ንምምላስ እንትሓስብ እንተለኹ፤ ካብ ንደገ ምጥማት እቲ ነዚ ኩሉ መስዋእትነት ዘኽፍለና ዘሎ ፀገም ኣብ ውሽጥና ምድላይ መሪፀ። ኣብዚ ፅሑፈይ ክንዲ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ኣተኲረ ክርእዮ ዝፈተንኩ፤ ማሕበራዊ ቅርፅና፣ ባህልና፣ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትናን ልምድናን እዩ። ክንዲ ዝከኣል እውን ካብ ኣብ ትማሊ ወይ ድማ ኣብ ታሪኽ ምትኳር ኣብ መፃኢ ህይወትና ዘመላኽትን ብውልቀይ ድማ ትግራይ ክትህነፀሉ ዝደልዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ከርኢ ዘኽእል መልእኽቲ ኩሉ ትግራዋይ ክርዳኣኒ ይኽእል እዩ ኢለ ብዝኸኣልኩዎ መጠን ከሕልፍ ፈቲነ ኣለኹ። ትግራይ፤ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ህዝብታት ዝተፈለየ ፀገም ኣየጋጠማን። ልክዕ ነቶም ብዙሓት ብፈተና ዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለውን፣ ንባዕሎም ክከላኸሉ ዓቕሚ ኣጥርዮም፣ ትካላት ሃኒፆምን ተቓሊሶምን ሃለዋቶም ዘረጋገፁ ጠንካራን ሕቡናትን ህዝብታት፤ ወይ ድማ መስዋእትነቶምን ተጋድሎታቶምን ንበለል እናሕለፉ ዝጠፍኡ ህዝብታት ናይ ምዃን ዕድል ዝገጠመን ሓንቲ እያ።

Number of Pages: 166
Dimensions: 0.35 x 9 x 6 IN
Publication Date: April 05, 2024